ባ.ጸጥታ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጸኒዑ ንዘሎ ማዕቀብ ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ

ባ.ጸጥታ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጸኒዑ ንዘሎ ማዕቀብ ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ

Radio Erena: 13 May 2018

usc on ssudanባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ጸኒዑ ንዘሎ ማዕቀብ ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ባይቶ ጸጥታ ብሰሉስ ሸሞንተ ግንቦት ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ፣ ‘ንሰላም ኣስጋእቲ’ ዝበሎም ውልቀ ሰባትን ትካላትን ደቡብ ሱዳን፣ ምድራት ምንቅስቓስን፣ ምእጋድ ንብረትን፣ ዝኣመሰሉ ማዕቀብ ከምዘለዎ ንሓደ ዓመት ክቕጽል ተሰማሚዑ።

ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምስፋን ዝኾነ ድሌት ከምዘይብሎም ዝጠቐሰ ባይቶ ጸጥታ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ተወሳኺ ጸቕጥታት ክገብር ተማሕጺኑ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2015 ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ፣ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ገበናት ኲናትን ካልእን ክስታት ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ወተሃደራውያን መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ማዕቀብ ምንባሩ ይዝከር።

እቶም ማዕቀብ ተነቢሩሎም ዘሎ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ኩሎም ጀነራላት ኮይኖም ካብ ወገን መንግስትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ምዃኖም ይፍለጥ።

ኣምባሳደር መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣኩወይ ቦና ማልዋል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ኣብ ናይሮቢን ካምፓላን ንዝርከቡ ውልቀሰባት ቃለመጠይቕ ብምግባር ጥራይ ስለዝኾነ፣ ምሉእ መጽናዕቲ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንምጥቃን ዝዓለመ’ዩ ክብል ነቲ ውሳኔ ነጺጉዎ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0