ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ የመናውያን ናይ ሞት ፍርዲ በዪኖም

ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ የመናውያን ናይ ሞት ፍርዲ በዪኖም

Radio Erena: 13 May 2018

yemeni solዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ የመናውያን ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝበየኑ ኣጃንስ ፍራን ፕረስ ንማዕከን ዜና ሳባ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ክልተ ካብቶም ንሞት ዝተፈርዱ የመናውያን፣ ናይ ስዑዲ ዓረብ ስለያ ኔሮም ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሎም እንከሎ እቲ ሳልሳዮም ኣባል ኣልቃዒዳ ኔሩ ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሉ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

እዞም ንሞት ዝተፈርዱ ሰለስተ የመናውያን፣ ጠበቓ ከምዝቖመሎም ይኹን ግቡእ ናይ ፍርዲ መስርሕ ተገይሩሎም ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

ብካልእ ወገን ናይቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ወተሃደራት ንዞባ ዋዚያት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸሩዋ ጋልፍ ኒውስ ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብቲ ንሓያሎ መዓልታት ዝቐጸለ ኲናት ኣብ መንጎ ሑቲን ሰራዊት መንግስትን፣ እቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ፣ ንሓያሎ ድፋዓቱ ገዲፉ ከምዝወጸ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ኲናት ሓድሕድ የመን ልዕሊ 10 ሽሕ የመንዋውያን ክቐዝፍ እንከሎ፣ ልዕሊ 54 ሽሕ ከኣ ኣቑሲሉ ከምዘሎ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

=======================  

COMMENTS

WORDPRESS: 0