ባንኪ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝጸንሐ ናይ ገንዘብ ዕዳ ከቃልሎ’ዩ

Radio Erena: 28 March 2021

ባንኪ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝጸንሐ ፋይናንስያዊ ዕዳ ከቃልሎ ወሲኑ።
መንግስቲ ሱዳን ብዓርቢ 26 መጋቢት ብቴለቪዥን’ታ ሃገር ዘመሓላለፎ ናይ ሓጎስ መግለጺ፣ ዝምድና ሱዳንን ባንኪ ዓለምን፣ ነታ ሃገር ዓቢ ቁጠባዊ ሓገዝ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ባንኪ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ዝገበሩዎ ተኸታታሊ ኣኼባታት ብተወሳኺ፣ ሱዳን ካብ ኣህጉራውያን ትካላት ለቓሕ ክትረኽብ ክትክእል እያ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ነቲ ውሳኔ ብሓጎስ ድሕሪ ምቕባል፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ንዘካዪዶ ዘሎ ቁጠባዊ ሕውየት ዓቢ ድርኺት ክፈጥረሉ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን ጂብሪል ኢብራሂም ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ንምሕዳስ ዝምድና ምስ ባንኪ ዓለም፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተጻወተቶ ተራ ኣመስጊኑ። ንሱ ብተወሳኺ፣ ሱዳን ድሮ ናይ 1.3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝረኸበት ብምምልካት፣ እዚ ድማ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ሱዳን ደው ኢሉ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ ክብል ገሊጹዎ።
ዳይረክተር ባንክ ዓለም ኣክሰል ቫን ትሮትሰንበርግ፣ ዝምድና’ቲ ትካል ምስ ሱዳን ናብ ንቡር ምምላሱ ብምርግጋጽ፣ እቲ ፍጻሜ ታሪኻዊ ምዃኑ ገሊጹ። ባንክ ዓለም ካብ ቤት ንብረቶም ንዝተመዛበሉ ሱዳናውያን ሓገዝ ዝውዕል ናይ ክልተ ቢልዮን ዶላር ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክገብር ከምዝኾነ እውን ቃል ኣትዩ።
እዚ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸኒዑ ዝጸንሐ ማዕቀብ፣ ቁጠባዊ ዕዳ ሱዳን፣ ናብ 56 ቢልዮን ዶላር ከምዝድይብ ገይሩዎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0