‘ኣብ ትግራይ ዝርከብ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ’ ተጸዋዒ ስደተኛታት

Radio Erena: 28 March 2021

ተጸዋዒ ስደተኛታት ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ኣብ ትግራይ ንመጀመሪያ ግዜ ዝበጽሐን ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት፣ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበረ ቤት ጽሕፈታት ተዘሚቱን ዓንዩን ከምዝረኸቦ ገሊጹ።
ኣብቲ መዓስከራት ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ህይወቶም ከድሕኑ እግሮም ናብ ዝመርሖም ኣንፈት ፋሕ ምባሎም ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ንሸውዓተ ሽሕ ካብኣቶም ጥራይ ክረክብ ከምዝኸኣለ እዩ ኣመልኪቱ። ንገለ ካብቶም ኤርትራውያን ናብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ከምዝውሰዱ እኳ እንተተገብረ፣ ብሓፈሽኡ ግና ኣብ ኩሉ መዓስከራት ዘለዉ ይኹኑ፣ ነናብ ዝቐረቦም ዓድታትን ከተማታትን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ተጸዋዒ ስደተኛታት ይገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ድሕሪ ዝተገብረሉ ጸቕጢ፣ ቀይሕ መስቀል ዝርከቦም ገለ ትካላት ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ኣፍቂዱ እኳ እንተኾነ፣ ናብቲ ዝበዝሐ ክፋል ትግራይ ግና ከይንቀሳቐሱ ኣጊዱ’ዩ ጸኒሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0