በረራታት ንምጅማር ተዳልዩ ዘሎ ሓድሽ መንገዲ ኣየር ማሳዋ፣ ነፈርቲ ንምክራይ ምስ ቻይናዊ ኩባንያ ይዘራረብ ከምዘሎ ተገሊጹ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ በረርኡ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ሓድሽ መንገዲ ኣየር ማሳዋ በረራታቱ ንምጅምራ ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ተዳልዩ ከምዘሎ ሲ.ኤች ኣቭየሽን ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ማሳዋ፣ ብሓንቲ ንእሽቶ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ተመስሪቱ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ሕጂ ድማ ሓደ ናይ ቻይና ናይ ነፈርቲ ኩባንያ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

 

መንገዲ ኣየር ማሳዋ፣ ንኣመሰራርትኡ ይኹን ዋንነቱ ዝምልከት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይተዋህብን።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ዝምስረት ኣብ ውሽጢ 11 ዓመቱ ናይ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላራስ ክሳራ ኣጋጢምዎ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ንመበል ሳልሳይ እዋኑ ደው ከምዝበለ ብሬድዮ ኤረና ብዝርዝር ቀሪቡ’ዩ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0