መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይቐጥታዊ ዘተ ንኸካይዱ፣ ስርዓት ካርቱም ናይ መንጎኝነት ተበግሶ ወሲዱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመንጎኝነት ስርዓት ካርቱም ዘይቀጥታዊ ዘተ ንኸካይዱ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ተበግሶ ወሲዱ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ካብ ካርቱም ከምዝልሓዅ ዝግልጸ ዘሎ ዘይቐጥታዊ ዘተ መንግስታት ኤርትራ ኢትዮጵያን፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ድሕሪ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብጋህዲ ከምእተዛረበሉ’ውን ሓያሎ ማዕከናት ዜና ይጠቕሳ።

 

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ሱዳን ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘለዋ ሕውነታዊ ዝምድና ተጠቒማ፣ ንክልቲኦም መንግስታት ንምቕርርራብ ትሰርሕ ምህዋላ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ሱዳን ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሱ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ’ውን ብኡ ንብኡ ናብ ሱዳን ከምዘምርሐ’ዩ ተገሊጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ እዘን ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ምፍጣጥ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብ ካርቱም ዋዕላ ንምክያድ ክዕድሞም ምዃኑ ፕረዚደንት ኣልበሽር ጠቒሱ።

ኣቐዲሙ’ውን መራሕቲ ደቡብ ሱዳን፣ ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ክሰርሑ ምዃኖም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ቀጠር’ውን ኣብ ንግድን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ብፍላይ ድማ ኣብ ክራይ ወደብ ዓሰብ ዘተኮረ ፕሮጀክታት ብምሕንጻጽ ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዘተ ንምቕርራቦም ክትሰርሕ ከምዝጸንሐት’ዩ ዝንገር።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ብስርዓት ካርቱም ዝቀረባ ናይ ዘይቐጥታዊ ዘተ ይኹን ኣቐዲሙ ብደቡብ ሱዳንን ቀጠርን ዝተዘርበ ናይ ሽምግልና ጉዳያት ብዝምልከት መንግሲት ኤርትራ ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ እወታ ወይ ናይ ኣሉታ ምላሽ ኣይሃብሉን።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0