ቀጠር፣ ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ ነጺጋ

ቀጠር፣ ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ ነጺጋ

Radio Erena: 28 March 2018

Qatar Eritrea

ቀጠር ምስ ሱዳን ብምትሕብባር ተቓወምቲ ኤርትራ ትድግፍ ኣላ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ንዘቕረቦ ክሲ ነጺጋቶ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ብ26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ቀጠር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወትሃደራዊ ስግኣታት ትፈጥር ከምዘላ ብኤርትራ ንዝቐረበ ወቐሳ ኮኒኑ።

መግለጺ ቀጠር ብተወሳኺ፣ እቲ ናይ ኤርትራ ወቐሳ ንመትከላት ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ቀጠር ዝጻረርን መሰረት ዘይብሉ ሓሶትን’ዩ ክብል ደምዲሙ።

ቀጠር ኣብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታን ምርግጋእን ንምስፋን ዘልዋ ድሌት ብምጥቃስ፣ ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ከምዝነበራ ኣዘኻኺሩ።

ኤርትራ ምስ ጅቡቲ ንዘለዋ ምስሕሓብ፣ ብመንጎኝነት ቀጠር ክሽምገል ድሕሪ ምውሳና፣ “ኣብ እንኣምኖ ኢድ’ዩ ዘሎ” ክትብል መግለጺ ከምዝሃበትሉ ኣይርሳዕን።

ዝምድና ቀጠርን ኤርትራን ብፍሉይ ይግለጽ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ዝፈጸመ መራሒ ኣብ ታሕሳስ 2015 ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ’ዩ ኔሩ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዑደት ፣ ኣብዚ ልዕሊ ክልተ ዓመቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ግዜ፣ ዛጊት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ዝኾነ መራሒ የለን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0