ኣብ ሳህሮኒም ተኣሲሮም ዝጸንሑ 12 ኤርትራውያን ተፈቲሖም

ኣብ ሳህሮኒም ተኣሲሮም ዝጸንሑ 12 ኤርትራውያን ተፈቲሖም

Radio Erena: 28 March 2018

Sahronim 26

ኣብ ሳህሮኒም ተኣሲሮም ዝጸንሑ 12 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ከምዝተፈትሑ ሆትላይን ፎር ሚግራንት ዎርከርስ ዝተሰምየ ትካል ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ እንተዘይከቲሞም ክእሰሩ ምዃኖም ድሕሪ ዝተዋህቦም ውሳኔ፣ ካብ ናብ ርዋንዳ ምዃድ ናብ ሳህሮኒም ክኣትዉ ዝመረጹ’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ክፍትሑ ዝኸኣሉ ብሆት ላይን ንሰደተኛታትን ንወጻእተኛታትን ዝጣበቕ ማሕበርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴላቪቭ ንመስል ስደተኛታት ዝሕለቁ ጠበቃታት ብሓባር ንናይ ሓደ ካብቶም እሱራት ናይ ይግባይ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ድሕሪ ምዕዋቶም እዩ።

ቤት ፍርዲ እስራኤል ብ15 ለካቲት ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊት ኣገልግሎት ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ሓደ ካብ ምኽንያታት መሕተቲ ዑቕባ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዘረጋገጸ ኣይርሳዕን።

ብመሰረት እቲ ውሳኔ ከኣ እቶም ኣብ ሳህሮኒም ተኣሲሮም ዝጸንሑ 12 ኤርትራውያን ካብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ስለዝኾኑ፣ ናይ ዑቕባ ምሕታት መሰሎም ክሕለወሎም ብዝብል ክፍትሑ ተወሲንሎም ኣሎ።

ንጉዳይ ናይቶም ሰለስተ ካብኣቶም ብቀረባ ክከታትሎም ክጠበቐሎምን ዝጸንሐ ሆት ላይን ብ26 መጋቢት’ውን ናይ 24 ካልኦት እሱራት ጉዳይ ንምክትታልን ንምጥባቕን ኣባላቱ ናብ ሳህሮኒም ከምዝልኣኸ’ዩ ዝገልጽ።

ብመሰረት እቲ ትካል ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሳህሮኒም 268 ኤርትራውያን ተኣሲሮም ይርከቡ።

ኣስታት 50 ካብቶም ናብ ሩዋንዳ ኣይንኸይድን ብምባሎም ካብ ቤት ማእሰርቲ ሆሎት ዝተሰጋገሩ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 230 ድማ፥ ብእስራኤል ዝወሃቦም ጊዜያዊ መንበሪ ፍቃዶም ወዲቁ ክነሱ፣ ከየሕደሱ ብምጽንሖም ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተታሒዞም ዝተኣሰሩ እዮም።

መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ብግዴታ ክወጹ ወይ ድማ ክእሰሩ ዝብል ትእዛዝ ንዘይተወሰነ እዋን ኣደስኪልዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ውሳኔ ብዜጋታቱን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ተቓውሞ ኣብ ርእሲ ምግጣሙ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር’ውን ተቐባልነት ኣይረኸበን።

=================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0