ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ቁጠባዊ መድረኽ ዓለም ይሳተፍ ኣሎ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ቁጠባዊ መድረኽ ዓለም ይሳተፍ ኣሎ

Radio Erena: 22 January 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ካብ ሎሚ 22 ክሳብ 25 ጥሪ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ቁጠባዊ መድረኽ ዓለም (World Economic Forum) ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብዚ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት፣ ጸለውቲ ሰብ ዋኒንን ኣውፈርትን ዓለምና ዝርከብዎም ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝተገብረሉ፣ ቁጠባዊ መድረኽ ዓለም፣ ኣብ ግሎባላውነት፣ ወፍሪ፣ ንግዲ፣ ባጤራ፣ ምሕደራ፣ ፊናንስን ቁጠባን ዓለምና ክዝቲ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፣ ቅድሚ’ዚ ዋዕላ ምስታፉ፣ ኣብ ኢጣልያ’ውን ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዕዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ’ዩ።

ንሱ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጁሴፐ ኮንተ ብምርኻብ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ከምኡ ድማ ኣብ ወፍርን ንግድን ብምትኳር ከምዝተዘራረበ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ናብ ክልትኤን ሃገራት ዝበጽሐ ናይ መጀመርያ መራሒ ኤውሮጳዊት ሃገር ምዃኑ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0