ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ብሽክለታ ጋቦን ትወዳደር ኣላ

ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ብሽክለታ ጋቦን ትወዳደር ኣላ

Radio Erena: 22 January 2019

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብቲ ብዕብየቱ ኣብ አፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ዙር ጋቦን ትወዳደር ኣላ።

ኣብቲ ካብ ትማሊ 21 ክሳብ 27 ጥሪ ዝካየድ ዘሎ፣ ቅድድም ብሽክለታ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ 10 ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ ዝርከብአን ሓያሎ ናይ ዓለምና ክለባት ይሳተፋ ኣለዋ።

ቱር ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ 2.1 ኣህጉራዊ መዐቀኒ ዘለዎ ቅድድም ብሽክለታ’ዩ።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣሮርያ ተዓዋቲ ናይዚ ቅድድም ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ 2014 ድማ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ንፈረንሳዊት ጋንታ ዮሮፕ ካር ብምውካል ተዓዋቲ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ቅድድም ኣብ 2006 ካብ ዝጅምር፣ ናትናኤል፣ ነዚ ክብሪ’ዚ ዝበቕዐ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ’ዩ።

ቅድድም ኣሚሳ ቦንጎ፣ ብስም ጓሉ ነቲ ንጋቦን ን42 ዓመታት ዝመርሐ ሓደ ካብ ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ ኣፍሪቃ፣ ዑመር ቦንጎ ዝተዋህበ’ዩ።

ዑመር ቦንጎ ኣብ 2009 ብሞት ድሕሪ ምእላዩ፣ ወዱ ዓሊ ቦንጎ ስልጣን ተረኪቡ ክሳብ እዚ ዕለት እዚ ይመርሕ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጋቦን ብሕማም ወቕዒ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ንኣስታት ክልተ ወርሒ ተዓቝቡ ኣብ ዝነበረሉ፣ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ፈተነ ዕልዋ ከምዝተኻየደሉ ይዝከር።

ነዛ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረትን ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነትን ጋቦን፣ ካብ ዕለት ናጽነታ ኣትሒዛ፣ ኣቦን ወዲን ጥራይ ን52 ዓመታት መሪሖማ ኣለው።

ዓመታዊ ዝካየድ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ነታ ሃገር ምስሊ ምልኪ ሓንቲ ስድራን ሕማቕ ምሕደራን ጥራይ ንኸይትሕዝ ሓጊዙዋ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0