ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ስደት ምስ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ኦሮሞ ተዘራሪቡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ስደት ምስ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ኦሮሞ ተዘራሪቡ

Radio Erena: 25 May 2018

Ethiopia

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስደት ምስ ዝጸንሑ ተቓወምቲ ኦሮሞ ከምዝተዘራረበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ብኣቶ ሌንጮ ለታ ዝምራሕ ሓደ ካብ ዓብይቲ ተቓወምቲ ውድባት ኦሮሞ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ግንባር ኦሮሞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ምስ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ዝዘራረብ ዘሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረበሉ ዕድመ መሰረት’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ይመጽእ ኣሎ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ዝገለጸ ኣቶ ሌንጮ ለታ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብብረት ለውጢ ንምምጻእ ምፍታን ግዜኡ ዝሓለፎ ምዃኑ’ዩ ዘረድእ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ዕጡቕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ዝነበረ ኣቶ ሌንጮ ለታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ንምጽጻእ ኣብ ክንዲ ብጠበንጃ ፖለቲካዊ ኣማራጺ ብምሓዝ ክንቀሳቀስ ዝጸንሐ ሓደ ካብ ህቡባት መራሕቲ ምንቕስቓሳት ኦሮሞ’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ዝርርብ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ተስፋ ከምዘለዎ ብምግላጽ፣ ውጽኢቱ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንህዝቢ ከፍልጥ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ስምምዕ ክዕወት እንተኽኢሉ፣ ኣቶ ሌንጮ ለታ ዝመርሖ ውድብ ኦሮሞ እባ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክኸውን’ዩ።

ይኹን’ምበር እቲ ውድብ ብሓይሊ ጠበንጃ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምእላይ ምስ ዝንቀሳቐሱ ካልኦት ናይ ኢትዮጵያ ግንባራት ርክብ ስለዘለዎ፣ ሓደ ካብ ኣውራ ማዕንቆታት ናይቲ ስምምዕ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይገልጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0