25 ግንቦት፣ መዓልቲ ኣህጉር ኣፍርቃ ብደረጃ ዓለም ይዝከር

25 ግንቦት፣ መዓልቲ ኣህጉር ኣፍርቃ ብደረጃ ዓለም ይዝከር

Radio Erena: 25 May 2018

AU

መዓልቲ ኣህጉር ኣፍርቃ ሎሚ 25 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።

እዚ ብምኽንያት ምምስራት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ 25 ግንቦት 1963፣ ንመበል 55 ዓመቱ ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዞባታትን ዝርከቡ ኣምባሳደራት ሓያሎ ሃገራት ሓቢሮም ይዝክርዎ ኣለው።

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ድሕሩ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዝምስረት ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ ንሽግራት እዛ ኣህጉር ብፍላይ ድማ ንምስሊ እዛ ኣህጉር ደዊኑ ዘሎ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓታት ከወግድ ኣይክኣለን።

ብድኽነትን ድሕረትን እትሳቐ ዘላ ኣፍሪቃ፣ መዓስከር ውልቀ መለኽቲ እናተባህለት ከምእትግለጽ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሽዱሽተ መራሕቲ እዛ ኣህጉር፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቦም’ዮም።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ንዝነውሐ ዕድመ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ዚምባብዌንን ኣንጎላን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ካብ ስልጣኑ ክእለዩ እንከለዉ፣ መራሕቲ ኢኳቶርያን ጊኒ፣ ኮንጎ ብራዛቪል፣ ካሜሩን፣ ስዋዚላንድ፣ ኡጋንዳ፣ ሱዳንን ኤርትራን ከኣ እቶም ንልዕሊ 25 ዓመታት፣ ኣብ ስልጣን ዝነውሐ ዓመታት ዝጸንሑ፣ ዕሉላት መለኽቲ እዛ ኣህጉር ተባሂሎም ኣብ ስልጣን ይጽሉ ኣለው።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0