ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንላዕሊ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣስጊኡ

Radio Erena:12 May 2020

ኤርትራ ኣብ ትርከቦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2019 ኣትሒዙ ጸጸኒሑ ዘጥቅዕ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ናይ መግቢ ዋሕዲ ከየኸትል ስግኣት ከምዘሎ ውድብ መግብን ሕርሻን ደጊሙ ኣጠንቂቑ።

እቲ ውድብ ኣብ ዝዘርግሖ እዋናዊ ጸብጻብ፣ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ገና ከቢድ ጉዳይ ተውርድ ብምህላዉ፣ ኣብዘን ሃገራት ሰብኣዊ ቅልውላው ከኸትል ምዃኑ ኣሚቱ።

ብኸቢድ ተሃስያ ንዘላ ኢትዮጵያ፣ ጸረ ኣንበጣ መድሃኒት ዝነጽጋን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝከታተላን ነፈርቲን ሄሊኮፕተራትን ብሓገዝ እኳ እንተተበርከተላ፣ ዛጊት ነቲ ወራር ክትቆጻጸሮ ኣይከኣለትን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝወርድ ዘሎ ሓያል ዝናብ፣ ንምፍራይ ኣንበጣ ዘተባብዕ ብምዃኑ፣ እቲ ዞባ ብሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክጥቃዕ ከምዝኽእል’ዩ መጠንቀቕታ ዝቐርብ ዘሎ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ህዝበን ኣብ ኣባይቱ ክዕጾ ኣዊጀን ዝርከባ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ካብዚ ለበዳ ክወርድ ንዝኽእል ከቢድ ሓደጋ መኪተን እኳ እንተለዋ፣ ብድሆ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ግና ገና ከምዘይተኣልየለን’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ናይ መግቢ ዋሕዲ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ውድብ መግቢን ሕርሻን ግምታቱ ኣስፊሩ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ መግቢን ሕርሻን፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ብሰንኪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክርከባ እንከለዋ፣ ኤርትራን ጂቡቲን ድማ ናብ ከቢድ ሓደጋ ከይወድቓ ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ ኣለዋ።

ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳ’ውን’ውን፣ ሓደጋ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዘንጸላለወን ሃገራት ምዃነን እቲ ውድብ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወጻኢ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ የመን፣ ዖማን ፓርኪስታንን ኢራንን ከቢድ ሓደጋ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ተመልኪቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0