ሽወደን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ መንነት ወረቀት ዝሕተተሉ ነቑጣ ኣቝማ

ሽወደን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ መንነት ወረቀት ዝሕተተሉ ነቑጣ ኣቝማ

Radio Erena: 05 January 2016

swe bor

ሽወደን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ዴንማርክ ኣብ ዘዳውባ ቦታ፣ መንነት ወረቀት ዝሕተተሉ ነቑጣ ኣቝማ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ዓመተ 2015 ጥራይ 150 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ከምዝኣተውዋ ብምሕባር፣ ነቲ ኣውራ ኣፍደገ ስደተኛታት ኮይኑ ዘሎ ንሽወደንን ዴንማርክን ዘራኽብ ድልድል ሓለዋ ክትገብረሉ ከምዝወሰነት’ያ ትገልጽ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ምቁጽጻር ዶባት ከኣ፣ ብባቡር፣ ኣውቶቡስ ይኹን ጀላቡ ናብ ሃገር ዝኣቱ ዝኾነ ውልቀሰብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ወይ ከኣ ሸንገን ቪዛ ክህልዎ ከድሊ’ዩ።

 

ሕጋዊ መንነት ወረቐት ወይ ሸንገን ቪዛ ዘለዎ ፓስፖርት ዘይብሉ ተሳፋራይ ዝጸዓና ኩባንያታት መጓዓዝያ ከኣ ኣስታት 6 ሽሕ ዶላር ክቕጽዓ ምዃነን እዚ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ የነጽር።

እንተኾነ ሓደ ሓደ ኩባንያታት መጓዓዝያ፣ ንነፍሲ ወከፈ ተጓዓዝያ መንነት ወረቐትን ፓስፖርትን ምሕታት ተወሳኺ ስራሕን ወጻኢታትን ስለዝሓተት፣ ነቲ ብመንግስቲ ሽወደን ዝወጸ ሕጊ ብምቅዋም፣ ካብን ናብ ሽወደን- ደንማርክ ዘካይድኦ ጉዕዞ ደው ከምዘብላ የጠንቕቓ ኣለዋ።

ስምምዕ ሸንገን ኣብ ዝኸተማ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ካብን ናብን ኣብ ዝግብር ምንቅስቓስ ሰባት ፓስፖርት ይኹን መንነት ወረቐት ኣይሕተትን’ዩ።

ይኹን’ምበር ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፣ መብዛሕተን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዶባትን መንነት ወረቀት ወይ ከኣ ፓስፖርት ይሓታ ምህላወን ይፍለጥ።

እዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ተባሂሉ ኣብ ግብሪ ዎኢሉ ዘሎ ሓለዋ ዶብ፣ ንሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝጻረር’ዩ እናበሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይቓወሙ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሽወደን ድሕሪ ሶርያውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0