ሱዳን ንኣምባሳደር ኢራን ሰጕጓ

ሱዳን ንኣምባሳደር ኢራን ሰጕጓ

Radio Erena: 05 January 2016

Iran Sudan

እታ ሃገር ነቲ ኣብ ካርቱም ዝነበረ ኣምባሳደር ኢራን ዝሰጎጎትሉ ምኽንያት፣ ኢራናውያን ነቲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ ቅትለት ሃማኖታዊ መራሒ ሺዓ ብምቕዋም፣ ኣብ ከተማ ቴህራን ንዝርከብ ኤምባሲ ሶኡድድድዲ ዓረብ ብምትዖም’ያ።

ኢራን፣ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ንዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ቀይዲ የእትያ ከምዘላ ብምግላጽ፣ ሓይልታት ጸጥታኣ ንድሕነት ኤምባሲን ኣባላቱን ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋጊጻ’ያ።

እንተኾነ ስዑዲ ዓረብ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድ ናይ መንግስቲ ኢራን ኣለዎ ክትብል’ያ ትወቕስ።

 

ስዑዲ ዓረብ ከም ግብረ መልሲ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝሑትል ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ንምብታኽ ወሲና ኣላ።

ባሕሬን’ውን ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ፣ ምስ ኢራን ዝምድንኣ በቲኻ ትርከብ።

ሱዳን ከኣ ኣሰር ስዑዲ ዓረብ ባሕሬንን ተኸቲላ፣ ንኣምባሳደር ኢራን ካብ ካርቱም ከምዝሰጎገት ሰጕጓ ኣላ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን ድሒራ ነቲ ስጉምቲ ተጸንቢራቶ ትርከብ።

ብእምነት ሱና እትምራሕ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ሺዓ ግፍዕታት ትፍጽም ከምዘላ ንዝተቓወመ ሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ ዝርከቦም 47 ሰባት፣ ብሽበራ ብምውንጃል ኣብ ጽባሕ ሓድሽ ዓመት ብሞት ድሕሪ ምቕጽዓ፣ ኣብ መንጎ ኢራንን ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ሰብ ኪዳናን ምፍጣጥ ተኸሲቱ ይርከብ።

ኤርትራ እትርከቦ ብስዑዲ ዓረብ ዝቖመ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ፣ ኣውራ ዕላምኡ ኣብቲ ኣብ የመን ኣንጻር ኣመንቲ ሺዓ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንምትሕግጋዝ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ ነተን ምስ ኢራን ክተሓባበራ ይኽእላ’የን እትይብለን ዝነበረት ኤርትራን ሱዳንን ኣብቲ ዘቖመቶ ኪዳን ድሕሪ ምጽንባራ ኣንጻር ኢራን ጽዑቕ ዘመተ ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ስዑዲ ዓረብ ነዚ ኪዳን ድሕሪ ምቛማ ብሽበራ ንዝኸሰሰቶም ሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ ዝርከብዎም 47 ሰባት ብምስያፍን ብምርሻንን ድሕሪ ምቕታላ ከኣ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተወሳኺ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

ኣብ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ባሕሬን፣ ዒራቕ ኣውራ ከኣ ኣብ ኢራን ዝርከቡ ኣኽረርቲ ኣመንቲ እስልምና-ሺዓ፣ ሕነ ናይዚ ብስዑዲ ዓረብን ሰብ ኪዳናን ዝፍጸም ዘሎ ዘመተ ክፈድዩ ምዃኖም የጠንቕቑ ኣለዉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0