ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 48 ሰባት ብሞት ቀጺዓ

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 48 ሰባት ብሞት ቀጺዓ

Radio Erena: 27 April 2018

saudi

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 48 ሰባት ብሞት ከምዝተቐጽዑ ኣህጉራዊ ትካል Human Rights Watch ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ብሞት ዝተቐጽዑ ሰባት ምስ ሓሽሽ ዝተሓሓዝ ገበናት ተኸሲሶም ዝጸንሑ’ዮም።

እታ ሃገር፣ ብፍላይ ንደቂንስትዮ ጸቒጡ ዝርከብ ሓደ ሓደ ምምሕያሻት ሰብኣዊ መሰላት ተርኢ ከምዘላ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ገበነኛታት’ዮም ንዝበለቶም ሰባት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክሳውዶም ብሴፍ ምቕንጣብ ግና ኣየቛረጸትን።

 

ዜጋታተን ንሞት ብምፍራድ ቀዳማይ ቦታ ሒዘን ዝርከባ ሃገራት ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራንን ቻይናን’የን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣመንቲ ክርስትና ከም ካልኣይ ዜጋ ክርኣዩ ከምዘይብሎም ልኡኽ ቫቲካን ካርዲናል ዦን-ልዊ ቱራን ተማሕጺኖም።

ንሶም ነዚ ምሕጽንታ ዘቕረቡ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ታሪኻዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ሰበ ስልጣን ንግስነት እታ ሃገር ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ካብ ቫቲካን ዝተላእከ፣ ብካርዲናል ዝምራሕ ላዕለዋይ ኣቡን ናብ ስዑዲ ዓረብ ክበጽሕ እዚ ንፈለማ እዋን’ዩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኣመንቲ ክርስትና መብዛሕቶም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኮይኖም፣ ኣብታ ሃገር ቤት ክርስትያን ስለዘይፍቀድ፣ ጸሎትን ካልእ ምስ እምነቶም ዝተሓሓዝ ንጥፈታትን ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ተሓቢኦም ከምዘካይዱ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0