“ኤርትራ ብሕሉፍ ምልኪ እትመሓደር ሃገር’ያ” ክፍሊ ጉ/ ወጻኢ ኣመሪካ

“ኤርትራ ብሕሉፍ ምልኪ እትመሓደር ሃገር’ያ” ክፍሊ ጉ/ ወጻኢ ኣመሪካ

Radio Erena: 26 April 2018

State department

“ኤርትራ ብሕሉፍ ምልኪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እትመሓደር ሃገር’ያ” ክብል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።

እቲ ክፍሊ ነዚ ዝገለጸ፣ ንዓመታዊ ጸብጻብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሰፊሕ ጸብጻብ’ዩ።

ኣብቲ ሰፊሩ ዘሎ 25 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ እቶም መሰረታውያን ዝብሃሉ መሰላት ክግሃሱ ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ ኣስሚርሉ። 

ዜጋታት ኤርትራ ብሃውሪ ክእሰሩ፣ ናብ ቤት ፍርዲከይቀረቡ ወይ ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተለ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ክበልዩን ደሃዮም ክጠፍእን ተደጋጋሚ ዝርአ ፍጻሜታት ምዃኑ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ርእሲኡ’ውን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ግዱድ ዕስክርና፣ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ጠንቂ ስደት እታ ሃገር ይኾኑ ምህላዎም ኣገንዚቡ።

 

እቲ በብኣርእስቱ ተኸፋፊሉ ቀሪቡ ዘሎ ሰፊሕ ጸብጻብ ብተወሳኪ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ሃይማኖትን እምነትን፣ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ፣ በርጌሳዊ ማሕበራት ናይ ምምስራት፣ ምትእኽኻብ፣ ሰለማዊ ሰልፍን ተቓውሞን ምክያድ፣ ዝኣመሰሉ መሰላት ጠቕሊሉ ከምዘየለ ኣመልኪቱ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ጸብጻብ ዝዝርግሕ ዘሎ፣ ኣብቲ ክፍሊ ሓላፊ ጉዳያይ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ያማማቶ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0