ስዑዲ ዓረብ፣ ልዕሊ 7,500 ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትያ

Radio Erena: 20 December 2021

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ጉዳይ ናይ ስራሕ ፍቓድን ቪዛን ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 7,500 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

ካብቶም ዶብ ጥሒሶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣትዉ ፈቲኖም ዝተባህሉ 59 ሚእታዊት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ተገሊጹ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከቢድ መከራ ዘለዎ ህይወት ከምዘሕልፉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ሓድሽ መንግስቲ ምስ ኣቖመት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታታ ናብ ሃገራ መሊሳ እያ።

ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ብዝተኻየደ ግፋ ዝተታሕዙ ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት፣ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ፣ ካብ ሓደ ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ፣ ናይ 1 ሚልዮን ሪያል ስዑዲ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ፣ ዝዝርጋሕ ዝተፈላለየ ፍርድታት ይጽበዮም ኣሎ ክብል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ሚኒስትሪ፣ 16 ኣሰጋገርቲ እዮም ዝበሎም ውልቀ-ሰባት እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0