ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ዝተላእኩ ሶማላውያን ደሃይ ንምፍላጥ ዝቖመት ኮሚቴ፣ ዛጊት ዝኾነ ስራሕ ከምዘየሳለጠት ተገሊጹ

Radio Erena: 19 December 2021

ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ዝተላእኩ ሶማላውያን መንእሰያት ደሃይ ንምፍላጥ ዝቖመት ኮሚቴ ካብ እትቐውም 9 ወርሒ ኣሕሊፋ፣ ዛጊት ዝኾነ ስራሕ ከምዘየሳለጠት ተገሊጹ።
ወለዲ እቶም መንእሰያት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ቃለመጠይቕ፣ መንግስቲ ሶማል ድሕሪ ዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ጥርዓናት፣ ሕቶታት ወለዲ ክትምልስን፣ ምስ’ቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ዝተባሉ ውሉዳቶምን ንከተራኽቦም ዘቖማ ኮሚቴ፣ ደሃይ ዘይብላ ህጣማ ኣጥፊኣ ኣላ ክብሉ ከሲሶም።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኲናት ምስ ተወለዐ፣ ገለ ወተሃደራት ሶማል ምስ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተራእዮም ዝብል ጥርዓን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምቕራቡ፣ እቶም ወለዲ ኣዘኻኺሮም።
ናይ’ዞም ብምስጢር ናብ ኤርትራ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ዝተወስዱ መንእሰያት ሶማል፣ ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋሁ እታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ምሕዳሩ ዝፍለጥ’ዩ።
መንግስቲ ሶማል ነቲ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ክህበሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ ወለዲ ጥርዓናት ምስ በዝሖ ንገለ ወለዲ ንሒደት ካልኢታት ብቴሌፎን ምስ ደቆም ከምዝራኸቡ ገይሩ እዩ።
እንተኾነ እቶም ወለዲ ደቆም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብተደጋጋሚ ክጠርዑ እኳ እንተጸንሑ፣ ካብ መንግስቲ ሶማል ዝግባእ ምላሽ ከምዘይረኸቡ ገሊጾም።
መንግስቲ ሶማል፣ ንጉዳይ’ዞም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ መንእሰያት ከም ሃገራዊ ጸጥታ ብምርኣይ፣ ብምስጢር እዩ ሒዙዎ ጸኒሑ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0