‘’ሱዳን ኣብ የመን ንዝተማረኹ ወተሃደራታ ክትቅበል ቅሩብነት ኣየርኣየትን’’ ኣል-ሑቲ

Radio Erena: 02 February 2020

መንግስቲ ሱዳን ኣብ የመን ንዝተማረኹ ወተሃደራቱ ክቕበል ቅሩብነት ኣየርኣየን ክብል ኣል-ሑቲ ከሲሱ።

ሓላፊ ጉዳይ ምሩኻት ኲናት ኣል ሑቲ ዓብዱልቃድር ኣልሙርታዳ ንሺን ሁዋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ትሕቲ ኣልሑቲ ዘለዉ ምሩኻት ናብ ዓዶም ክምለሱ ንመንግስቲ ሱዳን ወግዓዊ ጻውዒት ከምዝቐረበ ኣመልኪቱ። መንግስቲ ሱዳን ጉዳይ እቶም ምሩኻት ብመንጎኝነት ቀይሕ መስቀል ክሳለጥ ብዝሓተቶ መሰረት እቲ መስርሕ ክጅመር ዝግበኦ እኳ እንተነበረ፣ ሰበስልጣናቱ ቅሩብነት ኣየርኣዩን ክብል እዩ ዓብዱልቃድር ኣልሙርታዳ ዝኸስስ።

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ንምሕጋዝ ሱዳን ዘዋፈረቶም ወተሃደራት፣ ኣደዳ ሞትን መቑሰልትን ይኾኑ ከምዘለዉ ኣልሑቲ ኣቐዲሙ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ሱዳናውያን ምሩኻት ኲናት ኣብ ትሕቲ ኣልሑቲ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ ግቡእ ክንክን ከምዝግበረሎምን ብኣህጉራዊ ትካል ቀይሕ መስቀል ከምዝብጽሑን ይግለጽ።

እቲ በዓል ስልጣን ኣልሑቲ፣ ‘ቶም ምሩኻት ምስ ስድራቤታቶም ብቴለፎን ክራኸቡ ከምዝተፈቕደሎም እኳ እንተገለጸ፣ ቁጽሮም ክንደይ ምዃኑ ግና ካብ ምሕባር ተቖጢቡ’ሎ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0