ሱዳን፣ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 01 March 2022

ኢጋድ ንህሉው ኩነታት ሱዳንን መፍትሒኡን ብዝምልከት ክዛተይ ንዘውጸኦ መደብ፣ ሱዳን ከምዘይትሳተፎ ኣፍሊጣ።

ግዚያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ሳድቕ ምስ ወኪል ኢጋድ ኣብ ሱዳን ዑስማን በላይል ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ መሪሕነት ኢጋድ ናይ ሱዳን ተራ እኳ እንተነበረ፣ ብዘይድሌታ ንካልእ ሃገር ተዋሂቡ ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።

ኣብ ሱዳን ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ነታ ሃገር ካብ ኣባልነት ስለዘደስከላ፣ ምስ ዞባውያን ሃገራት ንምዝርራብ ብመንገዲ ኢጋድ እዩ ክቃናዕ ጸኒሑ።
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ፣ ኣካያዲ ስራሕ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ ናብ ዩጋንዳ ብምብጻሕ፣ ንዮወሪ ሙሰቨኒ ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዘተ ዘካይድ ዋዕላ ከዳልው ምሕታቱ፣ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ።

ኣብዚ ኣብ ወርሒ መጋቢት ክካየድ ዝተመደበ ዋዕላ ኢጋድ፣ ብዘይ ተሳታፍነት ወከልታ፣ ንሱዳን ዝምልከት ጉዳይ ከይለዓል፣ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣጠንቂቑ። ዓሊ ሳድቕ ብተወሳኺ፣ መራሕቲ ሱዳን ይጥዕመና’ዩ ኣብ ዝበሉዎ እዋን፣ ኣኼባ ኢጋድ ክጽውዑ ምዃኖም ሓቢሩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0