ኢትዮጵያ፣ ስግኣት ኣልሸባብ ንምግታእ ምስ መራሕቲ ጁባላንድ ትዝትይ

Radio Erena: 01 March 2022

ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ካብ ሶማል ሓሊፉ ንኬንያን ኢትዮጵያን ስግኣት ከይከውን ኣብ ዝፍራሓሉ ዘሎ እዋን፣ ሰበስልጣን ጁባላንድ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ዘተ ኣካዪዶም።
መራሕቲ ናይታ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ተነጺላ በይናዊ ናጽነት ዝኣወጀት ጁባላንድ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብቀዳም 26 ለካቲት ኣብ ዝገበሩዎ ኣኼባ፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ምንቅስቓሳቱ የስፍሕ ብምህላዉ፣ ክግታኣሉ ዝኽእል መፍትሒ ንምንዳይ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብቲ ኣኼባ ብወገን ሶማል፣ ኣዛዚ ራስ ኮምቦኒ ዝነበረ ማዶበን፣ ሓለፍቲ ጸጥታን ስለያን፣ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ብርጌደር ጀነራል ኣባባው ሰይድ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ተረኺቦም ኔሮም።
ኢትዮጵያዊ ብርጌደር ጀነራል ዘውዱ ነቲ ኣኼባ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን፣ ናይ ሓባር ስጉምቲ ንምውሳድ ዘኽእል መምርሒ ስራሕ ንምፍጣር ዝዓለመ ምንባሩ ኣመልኪቱ።
ምስ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይተጠርነፉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝቑጽሮም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ክብል መንግስቲ ሶማል ኣቐዲሙ ስምዕታ ኣቕሪቡ እዩ።
እዚ ወተሃደራዊ ስምምዕ፣ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ዘይኮነ፣ ምስታ ከም ኣካሉ ዝርእያ ጁባላንድ ይካየድ ምህላዉ፣ ወጥሪ ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0