ሱዳን፣ መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ባንክታት ብ34 % ወሲኹ

ሱዳን፣ መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ባንክታት ብ34 % ወሲኹ

Radio Erena: 06 February 2018

sudan money

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣጋጢምዎ ንዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራን ዝቕባበን ንምቅላል፣ መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብመንጽር ሃገራዊ ባጤራ ብ34 ሚእታዊት ወሲኽሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሓደ ዶላር ብ18 ፓውንድ ሱዳን ክሽረፍ ዝጸንሐ፣ በዚ ካብ ትማሊ ሰኑይ 5 ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ሓድሽ ወሰኽ ናብ 31.5 ፓውንድ ሱዳን ክብ ኢሉ።

እቲ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ቅነ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ተሸሚሙ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቅታት ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ጸሊም ዕዳጋ፣ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ካብ 45 ክሳብ 48 ፓውንድ ሱዳን’ዩ ዝሽረፍ ዘሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን ዝተዋፈሩ ውልቀሰባትን ትካላትን ስጉምታት ኣብ ዝወስደሉ ዘሎ እዋን፣ ጎኑ ጎኑ ድማ ናይ ሰደድ ኣታዊታት ብግቡእ ክኸፍላ ዝጸንሓን ዝነበራን 130 ትካላት፣ ገንዘበን ከየንቀሳቕሳ ምእጋዱ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ’ዚ ምንቅስቓስ ዶላር ንምድራት ተወሳኺ ኣዋጃት ኣውጺኡ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብ ካርቱም የመልክቱ።

ሱዳን ካብ ነዳዲ እትረኽቦ ዝነበረ ኣታዊታት፣ ምስ ምንጻል ደቡብ ሱዳን ካብ 2011 ኣትሒዙ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ተደጋጋሚ ቁጠባዊ ቅልውላዋት ክኽሰታ ጸኒሑ’ዩ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ዛ ሃገር ንኣስታት 20 ዓመታት ዘንበረቶ እገዳ’ውን እንተልዓለቶ ናይ ወጻኢ ወፍርን ንግድን ዛጊት ክተባባዕ ብዘይምኽኣሉ፣ ንቁጠባ ሱዳን ካብ ዝሃሰየ ካልእ ረቛሒ ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0