ካሌ፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብጥይት ዘቁሰለ ኣፍጋናዊ ይህደን

ካሌ፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብጥይት ዘቁሰለ ኣፍጋናዊ ይህደን

Radio Erena: 05 February 2018

Calais fighting 4

ብሓሙስ 1 ለካቲት፣ ኣብ ዶብ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ መንጎ ስደተኛታት ግጭት ድሕሪ ምጉህሃሩ ንኣርባዕተ ኤርትራውያን ብጥይት ዘቁሰለ ኣፍጋናዊ ዛጊት ብክርከብ ከምዘይተኻእለ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ 37 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣፍጋናዊ፣ ሓቢእዎ ብዘጸንሐ ብረት ኣብ እዋን እቲ ግጭት ተዅሲ ብምኽፋት፣ ንገሊኦም ኣብ ክሳዶም ንገሊኦም ድማ ኣብ ከብዶም ንኣርባዕተ ኤርትራውያን ብኸቢድ ድሕሪ ምቑሳሉ፣ ሃዲሙ ድሕሪ ምስዋሩ ብፖሊስ ይህደን ኣሎ።

እቶም ብኸቢድ ዝቖሰሉ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል መጥባሕቲ ተጌርሎም ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘለው’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 ኣብቲ ግጭት ካልኦት ሸጓጉጥ ዝነበሮም ኣፍጋናውያን ከምዝርኣዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንፖሊስ ይገልጹ።

ጠንቂ እቲ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ዝተኻየደ ግጭት፣ ብሰንኪ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ዝተጎሃሃረ ምዃኑ ይእመን።

መንግስቲ ፈረንሳ ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ፣ ኣብ ዶብ ፈረንሳን ብሪጣንያን ንዘሎ ናይ ስደተኛታት ምስግጋር ኩነታት ፍሉይ ቆላሕታ ክገብረሉ ብሓያሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ጻውዒት ይቐርበሉ ኣሎ።

ኣሰጋጋገርቲ ደቂ ሰብ፣ ንሓደ ስደተኛታ በቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ፣ ካብ ክልተ ኪሎሜተር ዘይነዊሕ ዶብ ፈረንሳን ብሪጣንያን ንምኸስግርዎ ክሳብ 3 ሽሕ ኤሮ የኽፍልዎም ከምዘለው ይግለጽ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን፣ ኣብ እትርከብ ከተማ ቫንትሚልያ’ውን፣ ናብ ፈረንሳ ከይሰግሩ ዝተዓግቱ ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ትካላት ግብረ ሰናይ ካብቲ ከባቢ ይሕብራ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0