ሱዳንን ግብጽን፣ ተወሳኺ ወትሃደራዊ ስምምዕ ከቲመን

Radio Erena: 02 March 2021

ሱዳንን ግብጽን ተወሳኺ ወትሃደራዊ ስምምዓት ከምዝኸተማ ማዕከናት ዜና ክልቲኤን ሃገራት ኣፍሊጠን።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ፣ ሎሚ 02 መጋቢት ናብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ምስ ሱዳናዊ መዘንኡ፣ ጀነራል መሓመድ ዖትማን ኣልሑሰን ብምርኻብ’ዩ ነቲ ስምምዕ ከቲምዎ።

ሱዳንን ግብጽን ዝኸተምኦ ወትሃደራዊ ስምምዕ ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታውን መዳይ ብሓባር ክሰርሓ ዘኽእለን ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ንሃገራዊ ድሕነተን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝኾነ ተጻብኦ፣ ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ክምክትኦ ምዃነን፣ ጀነራል ፋሪድ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ገሊጹ።

ጀነራል ኣልሑሰን ብወገኑ፣ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ተሞክሮ ክለዋወጣ ምዃነን ብምጥቃስ፣ ግብጺ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣብ ጎኒ ሱዳን ደው ምባላ ኣመስጊኑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ናብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

ዕላማ ዑደት ልኡኽ ሱዳን ናብ ግብጺ፣ ክልትኤን ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ እትወስዶ ዘላ በይናዊ ስጉምቲ ምምላእ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት ሓባራዊ መርገጺ ንምሓዝ ዝዓለም ምዃኑ ይግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0