ግብጽን ሱዳንን፣ ብዛዕባ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት ክልተኣዊ ዘተ ኣካይደን

Radio Erena: 02 March 2021

ግብጽን ሱዳንን፣ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ፣ ንዲጋ ተሃድሶ ንምምላእ እትወስዶ በይናዊ ስጉምቲ ብዝምልከት ክልተኣዊ ዘተ ኣካይደን።

እዘን ሃገራት ነዚ ዘተ ዘካየዳ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሚርያም ሳድቕ ኣልማህዲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ካይሮ ኣብ እተካይዶ ዘላ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ’ዩ።

ንሳ፣ ሎሚ 02 መጋቢት ናብ ካይሮ ድሕሪ ምእታዋ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ብምርኻብ ኣብ ዘካየደቶ ዘተ፣ ኢትዮጵያ ትወስዶ በይናዊ ስጉምቲ፣ ንረብሓ ሱዳን ግብጽን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ኣብ ጉዳይ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ብዝምልከት፣ ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር እናተረዳድእ ክሰርሓ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።

እታ ሚኒስተር ናብ ካይሮ ምብጻሕ ትፍጽም ዘላ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ ዕለት’ዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ’ውን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0