ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ክወጽእ’ዩ

ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ሶማል ክትስሕብ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣፍሊጡ።

    ኢትዮጵያ ኣብ 2006 ናብ ሶማል ብምእታው ነቲ ብእስላማዊ መጋብኣያታት ተጠርኒፉ ዝነበረ ሓይሊ ብምፍራስ ኣብ 2009 ከምዝወጸት ኣይርሳዕን።

    እንተኾነ ዝሓየለን ዝተወደበን ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ሶማል ድሕሪ ምስዕራሩ፣ እታ ኣብ ሶማል ገዚፍ ሰራዊት ኣዋፊራ ዝነበረት ኢትዮጵያ ከም እንደገና ኣብ 2011 ሰራዊትና ናብታ ሃገር ከምእተመልሰት ይፍለጥ።

    ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰራዊታ ካብ ሶማል ክትስሕብ ምዃና እትገልጸሉ ዘላ ምኻንያት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ድሕሪ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ሶማል እታ ሃገር ናብ ተዛማዲ ርግኣት ስለዘምርሐት’ዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ይጠቕሱ።

    ይኹን’ምበር ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ሰራዊታ ክትስሕብ ምዃና እትገልጽ ዘላ፣ ንሎጂስቲክስን ካልእ ቀረብ ሰራዊትን ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተኣትወላ መብጽዓ ስለዘይተተግበረ ምዃኑ ይግለጽ።

    ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢታቱ ብሃገራት ምዕራብ ካብ ዝምወል ባጀት ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ሶማል ኣዋፊራቶ ንዘላ ሰራዊት ካብ ወጻኢታታ ከምእትሽፍኖ’ያ ትሕብር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0