ምእሳር ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሲቪላውያን ኣመሓደርትን ይቕጽል

ድሕሪ’ቲ ኣብ 21 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ፎርቶ ሚኒስትሪ ዜና ብኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝተወስደ ስጉምቲ፣ ምእሳር ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሲቪላውያን ኣመሓደርትን ይቕጽል ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

    ኣቐዲሙ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፣ ሚኒስተር ማዕድን ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፋ ኑርሑሴን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣባላት እቲ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ድሒሩ ድማ ልዕሊ 10 ዝኾኑ ማእከሎትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሲቪላውያን ኣመሓደርቲ፣ ከምኡ’ውን ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍን ሃማመተኤን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይሕበር።

    ሬድዮ ኤረና ገለ ኣስማት ናይቶም ድሕሮም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝግለጹ ዘለዉ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣባላት ህግደፍን ሃማመተኤን በጺሑዋ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታታ ነቲ ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣረጋገጽዎ ብዝርዝር ከተቃልሖ ምዃና ትገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0