ርክብ ላዕለዋይ ኮሚተ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ካርቱም ክካየድ’ዩ

ርክብ ላዕለዋይ ኮሚተ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ካርቱም ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 05 October 2017

 eth_sudርክብ ላዕለዋይ ኮሚተ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ካርቱም ክካየድ ምዃኑ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

ብወገን ሱዳን ምክትል ፕረዚደንት ሓሰቦ መሓመድ ዓብደራሕማን ዝመርሖ ላዕለዋይ ወኪል ንምስታፍ ተዳልዩ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ መንግስቲ፣ እቲ ርክብ ኣብ ቁጠባን ብዶባት ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥን ከተኩር ምዃኑ ገሊጹ።

 

ሚኒስተር ቁጠባ ሱዳን ዓብደልራሕማን ድራር፣ ካርቱም ካብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ላዕለዋይ ኮሚተ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝሳተፉ ወከልቲ ክልትኤን ሃገራት ሓያሎ መዘክራትን ስምምዓትን ክኽትሙ ትጽቢት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዘን ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን፣ ምቛም ሓባራዊ ወትሃደራዊ ሓይልታት ኣብ ዶባት፣ ንግዳዊ ምልውዋጥን ካልእን ኣብ ዝብሉ ሓያሎ ጉዳያት ስምምዓት ምኽታመን ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0