ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያናት ዓለም ምስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ንምርኻብ ዘቕረቦ ጠለብ ተነጺጉ

ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያናት ዓለም ምስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ንምርኻብ ዘቕረቦ ጠለብ ተነጺጉ

Radio Erena: 05 October 2017

wwcኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፈጸመ ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያናት ዓለም ብዛዕባ ሃለዋት’ቶም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስን ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ብዝምልከት ምስ ኣቡናት ኤርትራ ተዘራሪቡ።

እቲ ብሓላፊ ክፍሊ ዞባ ኣፍሪቃ ዶክተር ንጉሱ ለገሰን ኣወሃሃዲ ጉዳያት’ቲ ማሕበር ዶክተር ዳኒኤል ቡዳን ዝርከብዎም ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያናት ዓለም ካብ 22 ክሳብ 28 መስከረም ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ምስ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣባ ሉቃስን ኣማሓዳሪ ኣቡነ ባሲልዮስን ክራኸብ እኳ እንተኸኣለ፣ ምስ ኣቡነ እንጠንዮስ ንምርኻብ ዘቕረቦ ጠለብ ግና ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

 ዶክተር ንጉሱ ለገሰ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብዚ ናይ ኤርትራ ዑደትና ሃናጺ ዘተ ክንጽበ ኢና ድሕሪ ምባሉ፣ ኣብዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እታ ንሓያሎ ዓመታት ተመቓቒላ ዘላ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ክግምግሙን ክመያየጡን ምዃኖም ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዑደት ብዛዕባ ውጽኢት እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ምብጻሕ ብዝምልከት ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያናት ዓለም፣ ቅድሚ 10 ዓመታት’ውን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ወጥሪ ብሰላም ክዓርፍ ንምጽዋዕን ሓባራዊ ጸሎት ንምዕራግን ናብ ኤርትራ በጺሑ ምንባሩ ይዝከር።

ድሕሪ’ቲ እዋን ግና ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ዘቕርቦ ተደጋጋሚ ጠለባት ብመንግስቲ ኤርትራ ተቐባልነት ከይረኸበ’ዩ ጸኒሑ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያናት ዓለም ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፣ ገዳም ደብረ ቢዘን ነቶም ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር ኣንጻር ሓድነት እታ ቤተክርስትያን ይሰርሑ ኣለዉ ንዝበሎም ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስን ኣመሓዳሪ ኣቡነ ባሲልዮንስ ብ12 መስከረም ድሕሪ ምውጋዙ’ዩ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝመሓደር ሲኖዶስ፣ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ግብረ መልሲ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ናይ ውግዘት መልእኽቲ ዝዘርግሑ ስጉምቲ ክውወስድ ምዃኑ ድሕሪ ምፍርራሕ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ፣ ንክልተ መነኩሳት ደብረ ቢዘን ከምዝኣሰሩ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0