ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena:03 January 2023

ኣብ ሶማሊላንድ፣ ኣንጻር መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሓካይም ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም ተቓወምቲ፣ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ካብታ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ እተዋስን ላሳ’ኖድ ዝተባህለት ከተማ ክወጻእ ‘ዮም ዝጠልቡ።

መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ነታ ከተማ ንመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ከረክባ ብምጽዋዕ ንዘካይድዎ ዘሎ ተቓውሞ፣ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ንምብታኖም ኣብ ዝኸፈትዎ ቶዅሲ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ብተዛማዲ ዝሓሸ ርግኣትን ጸጥታን እትውንን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ካብ 1991 ካብ ሶማል ከምዝተፈልየት እኳ እንተኣወጀት ከም ናጻን ሉኣላዊትን ሃገር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ኣይረኸበትን።

ፑንትላንድ ግና ዋላ’ኳ ብርእሰ ምምሕዳር ትጽዋዕ እንተኾነት፣ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ከም ሕእደ ዞባ ሶማል ኮይና’ያ ትቕጽል ዘላ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0