‘ርእሰ ውሳኔ ምብራቅ ሱዳን እንተተነጺጉ፣ ኵናት ከነልዕሊ ኢና።’ መራሒ ላዕለዋይ ባይቶ ቤጃ

Radio Erena:03 January 2023

መንግስቲ ሱዳን፣ ንሕቶ ርእሰ ውሳኔ ምብራቕ ሱዳን እንተነጺጉ፣ ኣብቲ ዞባ ኵናት ክእውጁ ምዃኖም መራሒ ላዕለዋይ ባይቶ ቤጃ፣ መሓመድ ኣል ኣሚን ተሪክ ኣጠንቂቑ።

እቲ ካብ ቀቢላ ሃንደንዳዋ ዝኾነ መራሒ፣ ኣብ ዶብ ኤርትራ ኣብ እትርከብ፣ ምወታ ኣብ ዝተባህለ ካብቢ ከሰላ ኣብ ባሕቲ ጥሪ፣ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ንስምምዕ ሰላም ጁባ ከምዝነጽጉ ብምርግጋጽ፣ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ርእሰ ውሳኔ ዘተኮረ ዝተፈልየ ናይ ዘተ መቓውን ክወሃቦ ምጽውዑ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሱ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ንዘቕረብዎ ጠለብ እንተተቐቢሉ፣ ኣብ ምሕያል ሱዳን ክሰርሑ ምዃኖም ብምምልካት፣ ሕቶኦም እንተተነጺጉ ግና ኵናት ክእውጁ ምዃኖምን: ከም ዝሓለፈ ከም ናይ ኣቦታቶም ምዕዋቶም ከምዘይተርፍን ገሊጹ።

ንሱ፣ ተመሳሳሊ ሕቶታት ምስ ዘለዎም ዞባታት ሱዳን ብሓድነት ክሰርሕ ከምዝደሊ’ውን ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዛዕባ መግለጺ መራሕቲ ላዕለዋይ ባይቶ ቤጃ ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን።

መራሕቲ ናይቲ ዝተፈላለየ ቀቢላታት ዝሓቕፈ ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኤርትራ ዘተ ንምክያድ ኣብ ዝተበገስሉ፣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዶብ ዓጊቱ ነናብ ቦትኦም ከምዝመለሶም ይዝከር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0