ምክትል ፕረዚደንት ሱዳንን ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ተመያይጦም

ምክትል ፕረዚደንት ሱዳንን ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ተመያይጦም

Radio Erena: 23 January 2018

Kassala city

ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ሓሰቦ መሓመድ ዓብዱልራሕማንን ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ጃማ ኣደም ጃማን ድሕሪ ምዕጻው ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት እቲ ዞባ ከምዝተመያየጡ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ፣ ብ19 ጥሪ ዝተኻየደ ምይይጥ፣ እቲ ምክትል ፕረዚደንት፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባ ከሰላ ናይ ጸጥታ እዋን ድሕሪ ምእዋጁን ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ድሕሪ ምዕጻውን ኣብቲ ዞባ ዝሰዓበ ኩነታትን ብዝምልከት ካብ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ሰሚዑ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣብቲ ንምክትል ፕርዚደንት ሱዳን ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብቲ ዞባ ጠበናጁ ናይ ምእካብን ቁጽሪ ሰሌዳ ወይ ታርጋ ዘይብለን መካይን ናይ ምህጋርን መስርሕ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብቲ ዞባ ንግድን መነባብሮ ህዝብን ንምትዕርራዩ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ’ውን ኣስሚሩ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ብዘይካ’ቲ ኣብ ትሕቲ ተቓወምቲ ዕጡቓት ቤጃን ራሻይዳን ዝርከብ ጠበናጁ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ዝተዋፈሩ ሰባት’ውን ብርክት ዝበለ ጠበናጁን ቁጽሪ ሰሌዳ ዘይብለን መካይንን ከምዝውንኑ’ዩ ዝንግረ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናብ ዶብ ኤርትራ ድሕሪ ምውፋሮም፣ ኣብቲ ከባቢ ተዓጊተን ዝጸንሓ ቁጽሪ ሰሌዳ ዘይብለን መካይንን ጽዒነንኦ ዝነበራ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ከምዝሃገሩ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0