ጃፓን ሓይሊ ባሕሪ ጅቡቲ ንምዕባዩ ሓገዝ ከተበርክት ምዃና ኣፍሊጣ

ጃፓን ሓይሊ ባሕሪ ጅቡቲ ንምዕባዩ ሓገዝ ከተበርክት ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 23 January 2018

Japan Comman

ጃፓን ንሓይሊ ባሕሪ ጅቡቲ ንምዕባዩ ሓገዝ ከተበርክት ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ሽፍትነት ባሕሪን ምጭዋይ መራኽን ንምግታእ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዝርከባ መሻርኽታ ዝኾና ሃገራት’ውን ንምዕባዩ ብዝወሰደቶ ተበግሶ’ዩ።

እንተኾነ ጃፓን ንጅቡቲ እተብርክቶ ወትሃደራዊ ሓገዝ ብኣሃዝ ይኹን ብዓይነት ኣየነጸረትን።

ጃፓን ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መደባት ከምዘለዋ እትገልጽ ዘላ ካብ ቻይና ስግኣት ስለዘለዋ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ጃፓን ካጹቶሺ ካዋኖ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጃፓን ኣብ ጅቡቲ እተገብሮ ዘላ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ምስፍሕፋሕ ንረብሓታት ቻፓን ዝጸሉ ከይከውን ስክፍታ ከምዘለዎ ኣጠንቁቑ’ዩ።

ጃፓን ኣብ ጅቡቲ ውሑድ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ክህልዋ እንከሎ፣ ቻይና ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቑማ ትርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0