ሚ/ምክልኻል ሱዳን ብሃንደበታዊ ወቕዒ ልቢ ከምዝሞተ ተሓቢሩ

Radio Erena: 26 March 2020

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን፣ ሜጀር ጀነራል ጀማለዲን ዑመር፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ናብ ጁባ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፣ ብሃንደበታዊ ወቕዒ ልቢ ከምዝሞተ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ወገናትን ዝካየድ ዘተ ንምስታፍ ናብ ጁባ ድሕሪ ምእታዉ’ዩ ብ25 መጋቢት ብሃንደበት ከምዝሞተ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ኣል በሺር፣ ኣባል ወትሃደራዊ ጉጅለን መሰጋገሪ መንግስቲ ዘቖመ ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳንን ዝነበረ ጀነራል ጀማለዲን ብሕማም ልቢ ከምዝሞተ ዝሕበር ዘሎ፣ ሱዳን ብሰንኪ ስግኣት ኮሮናቫይረስ ከፊላዊ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጃትሉ ኣብ ዘላ ግዜ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0