ሃገራት ኣፍሪቃ ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ክሕግዘን፣ ባንክ ዓለም ዘለወን ውህሉል ዕዳ ክምሕረን ኢትዮጵያ ተማሕጺና

Radio Erena: 26 March 2020

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ምስፍሕፋሕ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ክሕግዘን፣ ባንክ ዓለም ንዘለወን ውህሉል ዕዳ ክስርዘለን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተማሒጺኑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብጉጅለ 20 ናብ ዝፍለጣ ሃብታማት ሃገራት ኣብ ዝልኣኾ ምሕጽንታ፣ ባንክ ዓለም ንዝበዝሓ ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዕድአን ክስርዘለን ክሓትት እንከሎ፣ ነተን ትሑት ሃገራዊ እቶት ዘለወን ድማ ወለድ ናይ ዝተለቅሕኦ ዕዳ ክእለየለን ሓቲቱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ምሕጽንታ ከምዘቕረበ ዝግለጽ ዘሎ ባንክ ዓለም፣ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ዝውዕል 14 ቢልዮን ዶላር ንሃገራት ኣፍሪቃ ህጹጽ ሓገዝ ከምዝሰልዐ ድሕሪ ምጥቃሱ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ባንክ ዓለም ንምስራዝ ዕዳ ኣብ ግምት ዘእተዎ 35 ቢልዮን ዶላር ምህላዉ ኣሚቱ ኣሎ።

እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል ብተወሳኺ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ክገጥመን ንዝኽእል ብዶሆ ንምሕጋዝ ን15 ኣዋርሕ ዝቕጽል ናይ ኣስታት 150 ቢልዮን ዶላር ባጀት ምምዳቡ ኣረጋጊጹ።

ብጉጅለ 20 ዝፍለጣ ሃብታማት ሃገራት፣ ብመሪሕነት ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰኑይ 23 መጋቢት፣ ብቪድዮ ዝተሰነየ ናይ ርሕቐት ዋዕላ ኣካይደን እየን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ድማ፣ ነዚ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ናይ ኣካል ርክብ ከካይይድ ዘይክኣለ ዋዕላ ጉጅለ 20 ኣብ ዘቕረቦ ምሕጽንታ’ዩ፣ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ን10ታት ዓመታት ዝተዋህለለን ናይ ልቃሕ ዕዳ ክስረዘለን ዝሓተተ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0