መኽሰብ ደበሳይ፣ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2014 ተሰምዩ

መኽሰብ ደበሳይ፣ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2014 ተሰምዩ

Radio Erena: 24 December 2014

mek

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ-አይድ-ፎር-ሆልፕ ወዲ 23 ዓመት መኽሰብ ደበሳይ፡ “ናይ 2014 ዓመተ ምህረት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ” ተባሂሉ፡ ብሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ ቱር ዲ ፍራንስ ብዝኾነ፡ በርናርድ ሂናውልት ብዝተመርሐት ኮሚቴ ተመሪጹ።

እዛ ብወደብቲ ኣህጉራዊ ዙር ቅድድም ብሽክለታ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ጋቦን ዝተሾመት ኮሚቴ ብመሰረት ዝሃበቶ ድምጺ፡ መኽሰብ ደበሳይ ብ68 ነጥቢ ላዕለዋይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መይንትጀስ (ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ) ብ51 ነጥቢ ካልኣይ፡ ናይ 2012 ዓ.ም. ተዓዋቲ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ (ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኲቤካ) ከኣ፡ ብ41 ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም።

 

መኽሰብ ደበሳይ ናይ’ዚ ዓመት ኣህጉራዊ ውድድራቱ ኣብ 6 ውድድራት ናይ ኣልጀርያ’ዩ ፈሊምዎ። ንሱ፡ ኣብ ዙር ኣልጀርያ “ብሉጽ ናይ ግዜ ውድድር”፥ “ብሉጽ ናይ ነጥቢ ውድድር” ኮይኑ፡ተሸላሚ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ክኸውን ከሎ፡ “ኣንበሳ ዓቐብ” ንምዃን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ፡ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ ኔሩ።

መኽሰብ ደበሳይ ኣብ ቱር ኢንተርናሽናል ዲ ሰቲፍ ኣብ ናይ ነጥቢ ተሸላሚ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ካልኦት ውድድራት ኣልጀርያ’ውን ዝነኣድ ዓወት ብብምዝጋብ ኣብ ዓይኒ ጋንታታት ክኣቱ ክኢሉ’ዩ። መኽሰብ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ናይ ግዜ 2፡ ኣብ ናይ ጽርግያ ድማ 4ይ ደረጃ ድሕሪ ምሓዙ፡ ንኣዋርሕ ክትከታተሎ ዝጸንሐት ጀርመናዊት ክለብ ባይክ ኤይድ ኣብ ሕቁፋ የእትያቶ። ምስ’ዛ ኮንቲነንታል ጋንታ ብምዃን ድማ፡ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ክሳተፍ በቒዑ’ዩ።

መኽሰብ ምስ ክለብ ባይክ ኤይድ ኮይኑ ኣብ ብዙሓት ናይ ኤውሮጳን ላቲን ኣሜሪካን ውድድራት’ካ እንተተሳተፈ እቲ ዝበለጸ ዓወቱ ግን፡ ናይ ዙር ካሜሮን’ዩ። ንሱ፡ ኣብ’ዚ ውድድር ተዓዋቲ ብጫ ማልያ (ናይ ግዜ ውድድርን) ጻዕዳ ማልያን (ብሉጽ ናይ ትሕቲ ዕድመ ተቐዳዳማይ) ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ናይ ዓቐብ ሻዱሻይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ ዙር ርዋንዳ 2014 መኽሰብ፡ ቀዳማይ ተቐናቃኒ ርዋንዳውያን ተቐዳደምቲ’ኳ እንተነበረ፡ብሽክለታ ብምብልሻዉን ብተደጋጋሚ ብምውዳቑን ግዜ ስለዝኸሰረ ግን፡ ካብ ተወዳዳርነት ክወጽእ ተገዲዱ። ይኹን እምበር፡ ኣንበሳ ዓቐብ ናይ’ዚ ውድድር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ክልተ መድረኻት ከኣ፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊቱ።

መኽሰብ ኣቐዲሙ ብኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ኣብ 2014 ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተሰርዑ ኣህጉራውያን ውድድራት፡ እቲ ዝበዝሐ ነጥቢ ዝኣከበ ተቐዳዳማይ ብምዃን፡ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ ከም ዝሓዘ ዝዝከር’ዩ። እዚ ተቐዳዳማይ ኣብ’ዚ ዓመት ብዩሲኣይ ፍሉጣት ኣብ ዝኾኑ 60 ውድድራት 8084.95 ኪሎሜተር ርሕቀት ሸፊኑ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0