ቻይና፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣስታት 700 ኣጋር ሰራዊት ከተዋፍር’ያ

ቻይና፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣስታት 700 ኣጋር ሰራዊት ከተዋፍር’ያ

Radio Erena: 24 December 2014

ChinaUN

መንግስቲ ቻይና ኣብ ደቡብ ሱዳን 700 ተዋጋኢ ኣጋር ሰራዊት ከዋፍር ምዃኑ ተገሊጹ።

መንግስቲ ቻይና፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ናይ 2015 ኣትሒዙ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝዋፈር ኣጋር ሰራዊት ክልእኽ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ፣ ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምውጻእ ነዳዲ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ’ዩ።

እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነዳዲ ከውጽእ ስምምዕ ከቲሙ ዘሎ ኩባንያ CNPC ዝተባህለ ኮይኑ፣ ሓደ ካብቶም ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝውነኑ ግዙፋት ናይ ዕደናን ዳህሳስን ነዳዲ ዝነጥፉ ትካላት’ዩ።

ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሽንሁዋ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ ድማ፣ እቶም መኮንናት ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ኣጋር ሰራዊት ቻይና፣ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መጋቢት 2015 ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝዋፈሩ ኮይኖም፣ መብዛሕቶም ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ሓላዋን ጸጥታ ትካላት መንግስትን’ዮም ከገልግሉ።

 

ቻይና ኣቐዲማ’ውን ኣብ ምህንድስና፣ ሕክምናን መጓዓዝያን ዘገልግል ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ እኳ እንተጸንሐት፣ ተዋጋኢ ኣጋር ሰራዊት ከተዋፍር ግና ንመጀመርያ እዋና’ዩ።

እቲ ኣብ ጁባ ዝዋፈር ኣጋር ሰራዊት ቻይና፣ ኣብ ስለያን ምክትታልን ዘገልግላ ንኣሽቱ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ድሩዓት መካይን፣ ጸረ ታንኪ ሚሳይላት፣ ሞርታርን ካልእ ኣብ ምክልኻልን ምጥቃዕን ዝዓለመ ኣጽዋር’ውን ክዓጥቕ ምዃኑ ጸብጻብ ሺንሁዋ ይጠቕስ።

ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ሰንኮፍ ስለዝርከብ፣ እታ ሃገር ዳግም ናብ ከቢድ ኵናት ሓድሕድ እንተተሸሚማ፣ እቲ ቻይና እተአዋፍሮ ዘላ ሰራዊት ኣብ ነዳዲ ተዋፊረን ንዝርከባ ኩባንያታት ቻይና ኣብ ምሕላው ክነጥፍ ምዃኑ ክነጥፍ ምዃኑ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0