መንግስቲ ጂቡቲ ሓደ ካብቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክመሓደር ዝጸንሐ ተርሚናል ወደብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩ

መንግስቲ ጂቡቲ ሓደ ካብቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክመሓደር ዝጸንሐ ተርሚናል ወደብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩ

Radio Erena: 25 February 2018

port djiboutiመንግስቲ ጂቡቲ ሓደ ካብቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክመሓደር ዝጸንሐ ተርሚናል ወደብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩ።

እቲ ዶራለ ዝተባህለ ተርሚናል ወደብ፣ ብ ዲፒ. ዎርልድ ዝተባህለ ናይ ኢማራት ትካል ክመሓደር ድሕሪ ምጽናሕ እዩ መንግስቲ ጂቡቲ ንዝኣተዎ ስምምዕ ብምጥሓስ ብሓይሊ ተቖጻጺሩዎ ዘሎ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢስማዒል ዑመር ገለ ብሓሙስ 22 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ነቲ ምስ ዲፒ. ዎርልድ ዝኣተዎ ስምምዕ ብምጥሓስ ንወደብ ዶራለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንምእታው በይናዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ የመልክት።

ዲፒ. ዎርልድ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ መንግስቲ ጂቡቲን ነቲ ወደብ ንምምሕዳር ናይ ሰላሳ ዓመት ስምምዕ ከዝነበረ፣ እንተኾነ ግና መንግስቲ ጂቡቲ ንዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብዘተን ቤት ፍርዲን ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ብሓይሊ ክቆጻጸሮ ምምራጹ ከምዘቖጠዖ ገሊጹ።

እንተኾነ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ምኽፋታ ንጂቡቲ ስግኣት ከምዝፈጠረላ’ዮም ዝገልጹ።

ኣብ መንጎ ዲፒ. ዎርልድን መንግስቲ ጂቡቲን ኣብ 2006 ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት እቲ ናይ ኢማራት ትካል ንወደብ ጂቡቲ ን30 ዓመት ከመሓድሮ ዝብል’ዩ ኔሩ። ኣብ 2014 ዲፒ. ዎርልድ ንኣመሓዳሪ ወደብ ጂቡቲ ጉቦ ሂቡ ብምባል መንግስቲ ጂቡቲ ወግዓዊ ክሲ ምምስራቱ ዝፍለጥ እዩ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0