ካናዳ ንምጥራዝ ስደተኛታት ካብ እስራኤል ትቃወም

ካናዳ ንምጥራዝ ስደተኛታት ካብ እስራኤል ትቃወም

Radio Erena: 25 February 2018     

canada FM

መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ብጃምላ ናይ ምጥራዝ ኣውጺኡዎ ንዘሎ መደብ፣ ካናዳ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኣውጺኣ።

ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ብ19 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ካናዳ ንሓተትቲ ዑቕባ ብጃምላ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ከምዘይትቕበሎ፣ ከምዚ ዓይነት ምግሃስ መሰል ንምክልኻል ዝተኸተመ ውዕል ጀኔቫ እስራኤል’ውን ፊርማኣ ኣንቢራትሉ ከምዘላ የዘኻኽር።

ካናዳ ካብ እስራኤል ንዝተጣየሱ ብዝሒ ስደተኛታት ዝለዓለ ቁጽሪ ከምእትውንን ዝሓበረ እቲ መግለጺ፣ መንግስቲ ካናዳ ብዛዕባ’ዚ ብጃምላ ምጥራዝ ስደተኛታት መደብ ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ እስራኤል ቀጥታዊ ዝርርብ የካይድ ከምዘሎ የመልክት።

ኣብ 2016/17 ጥራይ ካናዳ፣ ካብ እስራኤል ዝመጹ 1,880 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐበለት ጸብጻባት’ታ ሃገር የመልክቱ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ እስራኤል ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓታቲ ዑቕባ ግቡእ መስርሕ ምጽራይ ተገይሩሉ፣ ናይ ዑቕባ መሰሉ ከይተረጋገጸ ብጃምላ ምጥራዝ ርኡይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ስለዝኾነ ብዉሑዱ ዑቕባ ዝግብኦን ዘይግብኦን ክሳብ ዝፍለ ነዚ ጀሚሩዎ ዘሎ መደብ ከየተግበሮ ክጸንሕ ለበዋ ኣቕሪቡ።

ሓያሎ ካናዳውያን ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ከውርዶ ዝጸንሐ በደልን፣ ሰበስልጣን እቲ መንግስቲ ኮነ ኢሎም ዓሌታዊ ቅርሕንቲ ኣብ ህዝቢ ክሰርጽ ከካዪዱዎ ዝጸንሑ ጎስጓስ ብምኹናን ጥርዓናቶም ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እስራኤላውያን፣ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ነዚ መንግስቲ እስራኤል ዝውጥኖ ዘሎ ብጃምላ ናይ ምጥራዝ መደብ ንምኹናን፣ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት የካዪዱ ከምዘለዉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና የመልክት።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0