መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ዘካየዶ ናይ ሕርሻ መሬት ናይ ምድልዳል ስጉምቲ፣ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ዘካየዶ ናይ ሕርሻ መሬት ናይ ምድልዳል ስጉምቲ፣ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ

Radio Erena: 04 August, 2014

hazemo

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ንእሱ ዞባ ማይ ዓይኒ፣ ምምሕዳር ክናጦት፣ ከባቢ ሃዘሞ ናይ ሕርሻ መሬት ንምድልዳል ብዝወሰዶ ሃንደበታዊ ተብግሶ ካብ ነበርቲ እቲ ዓድታት ተሪር ተቓውሞ ከምዝገጠሞ ተሓቢሩ።

ህዝቢ ዓድታት እቲ ከባብ ንማሕረስ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን፣ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ብሃንደበት ድሕሪ ምውሳዱ፣ ዕግርግር ከምዝተላዕለ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ነቲ ምትፍናን ንምህዳእ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣሃዱታት ሰራዊት ከምዝተዋፈራ’ውን ኣረጋጊጾም።

እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ዝተወስደ ናይ ሕርሻ መሬት ናይ ምድልዳል ስጉምቲ ንዝተቓወሙ ሓያሎ ነብርቲ እቲ ዓዲ’ውን ኣብ ቀይዲ የእትዩ ኣሎ።

 

ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስን ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ግርማይ ቀለታን ዝርከብዎም ኣመሓደትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተረኺቦም ኔሮም።

እቲ ናይ ሕርሻ መሬት ናይ ምድልዳል መስርሕ፣ ኣብ መንጎ’ቶም መሬት ዝተወስዶምን ዝተወስደ መሬት ዝተዓደሉን ነበርቲ እተን ዓድታት ምትፍናን ፈጢሩ ከምዘሎ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0