ፍላይ ኦሎምፒክ፣ ካብ ናብን ኣስመራን ክልተ ከተማታት ኤውሮጳን ዝጀመሮ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ሰለስተ ወርሒ ከይመልአ ኣቋሪጹ

ፍላይ ኦሎምፒክ፣ ካብ ናብን ኣስመራን ክልተ ከተማታት ኤውሮጳን ዝጀመሮ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ሰለስተ ወርሒ ከይመልአ ኣቋሪጹ

Radio Erena: 04 August, 2014

fly oly

ካብን ናብን ኤርትራን ክልተ ሃገራት ኤውሮጳን ቀጥታዊ በረራታት ጀሚሩ ዝነበረ መንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ በረራታቱ ኣቋሪጹ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ነቲ ብሉፍታንዛን መንገዲ ኣየር ኤርትራን ዝካየድ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ብምትካእ’ዩ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ካብን ናብን ኣስመራን ስቶኮልም ከምኡ ድማ ኣስመራ ለንደንን በረራታት ዝጀመረ።

መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ክሳራታት ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያን ካርጎን በረራታት ደው ከብል እንከሎ፣ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ክሳራታት፣ ናይ በረራ ውሕስነት የብሉን ተባሂሉ’ውን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከይበርር ከምዝተኣገደ ኣይርሳዕን።

 

ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምልልእ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ እቲ ዋንነቱ ንጹር ዘይኮነ መንገዲ ኣየር ናስ ቢሉ ምስ ፍላይ ኦሎምፒክ ግዜያዊ ውዕል እኳ እንተኸተመ፣ ፍላይ ኦሞምፒክ’ውን ብሰንኪ ከቢድ ክሳራታት በረራታቱ ደው ከብል ተገዲዱ ኣሎ።

ካብን ናብ ኣስመራን ለንደንን ከምኡ ድማ ኣስመራን ስቶኮሎም ንምብራር ብመንገዲ’ዚ መንገዲ ኣየር ቲኬት ኣቑሪጾም ዝነበሩ ድማ በረራታቶም ስለዝተሰረዘ፣ መሰናኽል ኣጋጢምዎም ይርከብ።

ፍላይኦሎምፒ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ በረራታቱ ደው ምባሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብን ናብን ኣስመራን ሃገራት ኤውሮጳን ቀጥታዊ በረራታት የለን።

እታ እንከኦ ነዚ መስመር እዚ ከተተኣሳስር እትኽእል መንገዲ ኣየር ኣዝቢ እዋን’ዚ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ጥራይ እኳ እንተኾነት ንሳውን’ን ውሕስንተ ከምዘይብላ’ዩ ዝንገረላ።

መንገዲ ኣየራት የመን፣ ግብጺ፣ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ናስ ኣየርን ቱርክን እተን ኣብዚ እዋን ‘ዚ ኣብ ኤርትራ በረራታት ዘካይዳ ዘለዋ እኳ እንተኾና፣ ኩሉ መሰመራትን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን’ዩ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0