መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ኤርትራዊት ብጽሕቲ ወርሒ ናብ ርዋንዳ ክትስጎግ ንዝተዋህባ ትእዛዝ ይቕረታ ሓቲቱ

Radio Erena: 17 October 2022

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፣ ብጃልባ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተወት፣ ኤርትራዊት ነፍሰጾር፣ ናብ ርዋንዳ ክትስጎግ፣ ሚኒስትሪ ዘቤታዊ ጉዳያት ንዘቕረበላ ትእዛዝ ይቕሬታ ሓቲቱ።

እታ ጓል 28 ዓመት ምዃና ዝተገልጸት ኤርትራዊት ሓታቲት ዑቕባ፣ ናብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምእታዋ፣ ናብ ርዋንዳ ክትስጎግ ምዃና’ዩ ካብቲ ሚኒስትሪ ደብዳቤ በጺሕዋ።

እንተኾነ፣ እታ ኤርትራዊት ናይ 37 ሰሙን፣ ብጽሕቲ ወርሒ ነፍሰጾር ኮይና ከምዘላ ዝጣበቑ ትካላት ግብረ ሰናይ፣ ነቲ ብሚኒስተሪ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝተዋህባ ናይ ምስጓግ ትእዛዝ ዘይሞራላውን ዘይሕጋውን’ዩ ብምባል ክቓወምዎ ዘንጺሖም።

እቲ ሚኒስትሪ ድሕሩ ብዝሃቦ ውሳኔ፣ ነታ ነፍሶጾር ክትስጎግ ዝተልኣኸላ ናይ ትእዛዝ ደብዳቤ ብጌጋ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ይቕሬታ ከምዝሓተተ ዘ ጋርድያን ኣብ ዓንቀጻቱ ኣስፊሩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ካብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣትሒዞም፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከግዕዞም ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ መደብ ንምትግባር ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ናይ ልዕሊ 140 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ እኳ እንተኸተመ፣ ብመዳይ ሕግን ሰብኣውነትን ተሪር ተቓውሞን ነቐፌታን በጺሕዎ፣ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስለዝተሰጋገረ ተሰናኺሉ ይርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0