ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጸጥታ ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 17 October 2022

ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ጸጥታ ክተሓጋገዛ ዘኽእለን ስምምዕ ከምዝኸተማ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን ብ14 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብሓላፊ ናይቲ ክፍሊ፣ ሊዩተናንት ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሙፋደል ዝምራሕ ወኪል መንግስቲ ሱዳን፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምብጻሕ’ዩ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ፣ ተመስገን ጥሩነህ ብምርኻብ ነቲ ስምምዕ ከቲምዎ።

እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዝርዝር እኳ እንተዘይገለጸ፣ ኣብ መዳይ ጸጥታ ክተሓባበሩ ምዃኖም ብክልቲኦም ወገናት ዝተዋህበ መግለጺ ኣነጺሩ ኣሎ።

ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘምርሐ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ኣብ ዋዕላ ጣና ንምስታፍ ናብ ባህርዳር ዝኣተወሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ብሰፊሕ ክፋል ዶብን ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ዶባተን ንዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ሓድሕደን ክወቓወሳ ጸኒሐን’የን።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ከባቢታት መተማ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሓገዝ ሱዳን ክህልዎ ከምዝኽእል’ዩ ብወገን ኢትዮጵያ ክስማዕ ጸኒሑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ሱዳን ብወገን ምዕራብ ትግራይ ንሓያልታት ትግራይ ናይ ምድጋፍ ተበግሶታት ከተርኢ ከምዝጸንሐት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ምውቃሱ ይዝከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0