መንግስቲ ሊብያ፣ 97 ኤርትራውያን ንምጥራዝ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ይዘራረብ

መንግስቲ ሊብያ፣ 97 ኤርትራውያን ንምጥራዝ ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ይዘራረብ

Radio Erena: 21 July 2016

Libya mig

መንግስቲ ሊብያ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት 97 ኤርትራውያን ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ካብቶም ኣብ ሚስራታ ተቐይዶም ዘለዉ 97 ኤርትራውያን እተን 22 ደቂንስትዮ ምዃነን’ውን ተፈሊጡ።

ኣሃዱ ምክትታል ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ሊብያ፣ እቶም ካብ ገማግም ባህሪ ሚስራታ ናብ ኢጣልያ ዝተበገሱ’ዮም ዝበሎም 97 ኤርትራውያን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ንምጥራዞም ኣብ ትሪፖሊ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ይዘራረብ ከምዘሎ ሊብያን ኦብዘርቨር ዝተባህለት ጋዜጣ ጠቒሳ።

 

ኣብ ዶባት ሱዳንን ሊብያን ጽኑዕ ሓለዋን ምክትታልን ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሊብያ ድሕሪ ምእታዎም ብሃይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዝተታሕዙ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ኩፍራ ተቐይዶም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

ሊብያ፣ ንገሊኦም እቶም ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ክትመልሶም እንከላ፣ መንግስቲ ሱዳን ከኣ በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ይጥርዞም ምህላዉ ይፍለጥ።

ማዕበል ባሕሪ ሃዲእሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ፣ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ካብ ገማግም ሊብያ እናተበገሱ ናብ ኢጣልያ ይሰግሩ ኣለዉ።

ኣብዘን ዝሓለፈ 2 ኣዋርሕ ጥራይ መራኽብ ህይወት ኣድሓን ሃገራት ኤወሮጳ፣ ኣሽሓት ሰባት ካብ ምጥሓል ከድሕና እንከለዋ፣ ኣማኢት ከኣ ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭ ኢንተርነት

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0