ሽወደን ኣብ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዘጽደቐቶ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ግብሪ ውዒሉ

ሽወደን ኣብ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዘጽደቐቶ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ግብሪ ውዒሉ

Radio Erena: 21 July 2016

swe

ፓርላማ ሽወደን፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ዘሕለፎ ኣብ ጉዳይ ምትእኽኻብ ስድራቤታት ዘተኮረ ውሳኔታት፣ ካብ ትማሊ 20 ሓምለ ኣትሒዙ ብ ግብሪ ከምዝወዓለ፣ ክፍሊ ስደተኛታት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ወርሒ ሚያዝያ ዝጸደቕን ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎን ሓድሽ ሕጊ፣ ስደተኛታት ስድራቤታቶም ናብ ሽወደን ከምጽኡ ንኽፍቐደሎም ስራሕን መንበሪ ገዛን ከምዘለዎም ዘረጋግጽ ሰነዳት ከቕርቡ ዘገድድ’ዩ።

እዚ ኣብ ጉዳይ ምትእክኻብ ስድራቤታት ዘተኮረ ሓድሽ ውሳኔ፣ ኣብ ግብሪ ካብ ዝወዓለሉ ካብ 20 ሓምለ ኣትሒዙ ንሰለስተ ዓመታት ክጸንዕ’ዩ።

 

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ደጊሙ ክጽናዕ ምዃኑ መግለጺ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሽወደን የመልክት።

ፓርላማ ሽወደን፣ ጉዳዮም ብክፍሊ ኢምግሬሽን ተነጺጉ፣ ካብታ ሃገር ክወጹ ትእዛዝ ዝተዋህቦም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናይ መጽለሊን ካልእ ንመዓልታዊ መግብን ዘድሊ ማሕበራዊ ሓገዝ ንኸይግበረሎም ዝኽልክል ሕጊ ምጽዳቑ’ውን ኣይርሳዕን።

በቲ ኣብ 1 ሰነ ኣብ ግብሪ ከምዝወዐለ ሕጊ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ካልኦትን ዝርከብዎም ኣስታት 4500 ሓተቲ ዑቕባ ተጸልዮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሽወደን ልዕሊ 160 ሽሕ ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ እቲ ክፍሊ ይሕብር።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሽወደን ፣ ንዜጋታት ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶማልያ፣ ዒራቕን ኢራንን ተኸቲሉ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0