መበል 31 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኩነታት ኤርትራ ዘትዩ

መበል 31 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኩነታት ኤርትራ ዘትዩ

Radio Erena: 15 March 2016

Huma

መበል 31 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብምትኳር ዘትዩ።

እቲ ትማሊ 14 መጋቢት ካብ 9 ናይ ንግሆ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ፣ ኣብ ጄኔቫ ዝተኻየደ ዘተ፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘተ ሸይላ ኪታሩት፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክርአ ዝጸንሐ ተወሳኺ ምዕባለታት ብዝምልከት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ’ዩ ኣተኩሩ።

ኣብቲ ዲፕሎማሰኛታት፣ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተረኽብሉ ዘተ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣቐዲሙ ዝቐረበ ጸብጻባት ብዙሕ ፍልዩነት ኣይነበሮን።

 

ኣቐዲሙ ዝቐረበ ጸብጻባት፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራት ኣገልግሎት ተተሓሒዙ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ከረጋግጽ ክኢሉ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝውቐሰሉ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽዋል፣ ወከልቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ከምዝፈቐደን፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል’ውን ከምዘብጽሖምን ይዝከር።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ኮሚሽን፣ ኣብ ሰነ 2016 ምሉእ ጸብጻባ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከተቕርብ’ያ።

እታ ኮሚሽን፣ ኣብዚ ናይ ወርሒ ሰነ ጸብጻባ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ወይ ዘይምህላዎም ክትገልጽ’ያ።

ኣብዚ ድሕሪ ናይ ኣስታት 4 ኣዋርሕ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረብ ጸብጻብ፣ እቲ ፕረዚደንትን ሰበ ስልጣናቱን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ብመርትዖ እንተተረጋጊጹ፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክኽሰሱ’ዮም።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0