ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ጅቡቲ ገና ዘይተፈትሐ ጉዳይ ንምዝርራብ ናብ ቀጠር ኣምሪሑ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ጅቡቲ ገና ዘይተፈትሐ ጉዳይ ንምዝርራብ ናብ ቀጠር ኣምሪሑ

Radio Erena: 15 March 2016

Qatar Er

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ጅቡቲ ዘሎ ጉዳይን ሓፈሻዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከምኡ ድማ ምዕባለታት የመንን ብዝምልከት ምስ ኣሚር ቀጠርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ንምዝርራብ ሎሚ ሰሉስ 15 መጋቢት ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ከተማ ኣዶሓ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ከተማ ኣዶሓ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዶክተር ካሊድ ቢን መሃመድ ኣል ዓጥያ’ዩ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐቢልዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ናብ ቀጠር ተመሳሳሊ ዑደት ብምክያድ፣ ብዛዕባ’ቲ ገና መፍትሒ ዘይረኸበ ምስ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ከምዝተዘራረበ ኣይርሳዕን።

 

ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብቲ ምስ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ዘካየዶ ርክብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ከየፍለጠ ምስቲ መንግስቲ ዝኾነ ዝርርብ ከምዘያከድ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ጅቡቲ፣ ኣብቲ ኣብ 2008 ዝተኻየደ ኵናት 19 ኤርትራውያን ከምዝማረከት ክትገልጽ እንከላ፣ ብውሕዱ 14 ካብ ወትሃደራት ከኣ ብኤርትራ ከምዝተታሕዙ’ያ ተመልክት።

ሓደ ካብቶም ኣብ ኵናት ኤርትራን ጅቡትን ዝተማረኹ ኤርትራውያን ከኣ ብሰንኪ ዝወረዶ ከቢድ መውጋእቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ከምዝዓረፈ ይፍለጥ።

ብዛዕባ ምሩዃት ኵናት ክልቲኤን ሃገራት ብዝምልከት ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተገልጸ ነገረ የለን።

ቀጠር፣ ነቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሓበ ጉዳይ ንምሽምጋል ተበግሶ ብምውሳድ፣ ኣብቲ ዘሰሓሓበ ከባቢታት እምባ ሙሳ ዓሊ፣ ኣብ 2009 ተዓዛቢ ሰራዊታ ከምዘዋፈረት ይዝከር።

እንተኾነ መስርሕ ሽምግልና ኤርትራን ጅቡቲን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ፍረ ክርከቦ ኣይከኣለን።

ጠንቁ ድማ፣ ኤርትራ ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ክትሕባር ብዘይምኽኣላ ምዃኑ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ ብተደጋጋሚ ይወቕስ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ንኽትግበር፣ ውሳኔ ንኸሕልፍ ጠንቒ ካብ ዝኾኑ ምኽንያታት ሓደ’ውን ጉዳይ ጅቡቲ’ዩ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0