መርማሪት ጉጅለ ሕ.ሃ. ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዕድመ ስልጣና ተናዊሑ

Radio Erena: 23 December 2022

ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት እትምርምር ጉጅለ፣ መራሒኣ መሓመድ ቻንደ ኦትማን ክኸውን መዚዙዎ።

ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ብዕለት 21 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ፈጺሞሞ ዝበሃል ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክትምርምር፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2021 ኮሚቴ ኣቚሙ እዩ። እቲ ዝቖመ ጉጅለ ክኢላታት ጸብጻቡ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዕድመ ስልጣኑ ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ተወሲኑ።

ነዚ ጉጅለ ክኢላታት ክመርሕ ተመዚዙ ዘሎ ታንዛኒያዊ መሓመድ ቻንደ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ከም በዓል ቲሞር፣ ሩዋንዳን ካምቦዲያን ዝኣመሰላ ሃገራት ብውክልና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘገልገለ ምኩር ኣኽባር ሕጊ ምዃኑ፣ ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ክኢላታት ውጽኢት መርመርኡን በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን፣ ንዕለት 27 ለካቲት 2023 ኣብ መበል 52 ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት ከፍልጥ ትጽቢት ይግበረሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0