ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ ኣብ እዋን ናይ ትምህርቲ ፈተና ዓባያ ክሽፈና ከምዘይትፈቅድ ገሊጻ

Radio Erena: 22 December 2022

ስዑዲ ዓረብ፣ ደቂንስትዮ ኣብ እዋን ናይ ትምህርቲ ፈተና ዓባያ ምሽፋን ከምዘይክእላ፣ ንኮሚሽን ግምገማ ትምህርቲን ሞያዊ ስልጠናን ብምጥቃስ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፣ ደቂንስትዮ ዋላ’ኳ ዓባያ ክሽፈና ዘይፍቀደለን እንተኾነ፣ ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓ እታ ሃገር፣ ‘እሩም’ ዝበለቶ ኣከዳድናን ናይ ተመሃሮ መለለዪ ልብሲ ወይ ዪኒፎርምን ክለብሳ ግና ክግደዳ’የን።

እታ ሃገር፣ ኣብ 2018’ውን ደቂንስትዮ እታ ሃገር ዓባያ ክሽፈና ዘገድድ ሕጊ ከተትርፎ ምዃና ገሊጻ ኔራ’ያ።

ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሓምድ ቢን ሳልማን፣ ብዛዕባ’ቲ ራኢ 2030 ዝሰመዮ፣ ምምሕያሽ መሰላት ደቂንስትዮ ዝርከቦ ለውጥታት ብዝምልከት ምስ መደበር ቴሌቪዥን CBS ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ምግላጹ፣ ኣራብያን ቢዚነስ ኣመልኪቱ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ሕጊ ሸሪዓ ደቂንስትዮ፣ ዋላ’ውን ደቂተባዕትዮ፣ እሩም ኣከዳድና ከዘውትራ ደኣ’ምበር፣ ጸሊም ዓባያ ክጉምጎማ ወይ ብጸሊም ክጉልበባ ዘገድድ ኣይኮነን ክብል ኣረዲኡ።

መሰል ደቂሰብ ብሓፈሻ፣ መሰል ደቂንስትዮ ድማ ብፍላይ ብምግሃስ ምስ ቀዳሞት ሃገራት እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት መባእታዊ ምምሕያሻት ከተርኢ ጀሚራ ኣላ።

ገለ ካብቲ ንደቂንስትዮ ዝምልከት ዝተመሓየሸ ሕግታት፣ መኪና፣ ብዘይ ሞግዚት ወዲ ተባዕታይ በይነን ክዝውራ፣ ፓስፖርት ሒዘን ብዘይሞግዚት ወዲ ተባዕታይ በይነን ክገሻን፣ ምስ ደቂተባዕትዮ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክተሓዋወሳን ዝብል ይርከቦ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0